+ All Categories
Home > Documents > e-Elim-84 - · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84...

e-Elim-84 - · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84...

Date post: 14-Feb-2018
Category:
Upload: phungnga
View: 275 times
Download: 6 times
Share this document with a friend
8
ገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ : ንፍታሌም እምነት ዓለም-ለኻዊት ቤተ-ክርስትያን : ቁ.ሳ.ፖ. 11897 ኢ-መይል፦ [email protected] ብሎግ፦ www.gazetaelim.wordpress.com ፈይስቡክ፦ Gazeta Elim ትሕዝቶ=> 84 02) ጸሎት ሓደ ለምጻም 03) ብርሃን ኣይስዓርን እዩ 05) ኣድላይነት ምስላ 07) ዓምዲ ካብ ኩሉ ሸነኽ ኣነን ንስኹምን ሓጢያት እንዳ ገበርና ተትሓዝና። ‘’ መምህርእዛ ሰበይቲ እዚኣ ክትዝሙ ከላ ተታሒዛ’’ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ‘’ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም ’’ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ‘’ ካብኣ ኣይትብልዑ ’’ ዝተባህልዋ ኦም ምስ በልዑሓጢያት ገበሩ። ካብኦም ዝተወለድና ዘበልና ኩልና ድማ ኣብዚ ሓጢኣቶም እዚ ተጸምበርና። ሓደ እኳ ካብ ሓጢያት ሓራ ዝኾነ ሰብ የልቦን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ሰብ ሓጢያተኛ እዩ። እታ ነፍሳ ሸይጣ ኣብ ዝሙት ዝተዋፈረትእቲ ክዳኑ ኣጻዕድዩ ውርዙይ ዝመስል ሃይማኖታዊ ሰብንኩሎም ምሕረት እግዚኣብሄር ዘድልዮም ሓጢያተኛታት እዮም። መን ኣሎ ኣብ ልቡ ፍትወት ስጋ ዘይሰዓሮመን ኣሎ ብልቡ ናይ ብጻዩ ነገር ዘይተመነየመን ኣሎ ዘይሓመየመን ኣሎ ዘይተቐየመ። ‘’ ኣነስ ሓጢያት ትበሃል እኳ የብለይን ’’ ክብል ዝደፍር ወለሓደ ሰብ የልቦን። ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም! ኣነን ንስኻትኩምን ብሓጢያትና ክንመውት ይግብኣና ‘’ ከምዚኣ ዝበለት ከኣብዳርባ እምኒ ክትመውትሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ’’። ዓስቢ ሓጢያት ሞት እዩ። ኣዳምን ሄዋንን በታ ሓጢያት ዝገበሩላ መዓልቲ ሞት ሞቱእዚ ማለት ካብ እግዚኣብሄርን ካብቲ ዝነብርዎ ዝነበሩ ናይ ኤደን ገነት ናብራን ሞቱወይ ተፈለዩ። ናብ ናይ ጻዕርን ፍርሃትን ስግኣትን ጭንቀትን ናብራ ድማ ኣተዉ። ዓስቢ ሓጢያት ብኹሉ ሸነኹ ዕንወት እዩ። ሓጢያት ዝገበረ ሰብ ክመውት ጥራሕ እዩ ዝግብኦ። በቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ መሰረት’ውንሓጢያት ዝገበረ ሰብ ሞት እዩ ዝግብኦ። ንሕናውን ብሰሪ ሓጢያትናዓስቢ ናይቲ ኩሉ ብሓሳብና ብቓላትና ብግብርና ዝገበርናዮ ሓጢያት ክንመውት እዩ ዝግብኣና። ፍርድና ሞት እዩ። ፍርድና ሲኦል እዩ። ፍርድና ብሰይጣንን በቶም ኣጋንንቱን ክንሳቐ እዩ። የሱስ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንታይ ይብል፧ ንስኻ’ኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፧’ ካባኻትኩም ሓጢያት ዘይብሉ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ’’ ብዝገበርናሉ ቁጽሪ ዝኸሱና ሰለስተ ኣካላት ኣለዉ መጀመርታ ባዕልና ሕልናና ይኸሰና ሰይጣንውን ይኸሰናከምኡውን ሰባት ይኸሱና። ኣዞም ሰለስተ ከሰስቲ እዚኣቶም ሞት ንኽፍረደና እዮም ዝኸሱና። ብፍላይ እኳ ሰይጣን ናብቲ ንዕኡን ንኣጋንንትን ዝተዳለወ ሲኦል ምእንቲ ኽንወርድኣበርቲዑ እዩ ዝኸሰና። ስብሓት ንኣምላኽ ይኹኖእቲ ኣገዳሲ ነገር ግና ናይዞም ከሰስቲ ክሲ ዘይኮነስ ናይ የሱስ ፍርዲ እዩ። ናይ የሱስ መልሲ ነዞም ሰለስተ ከሰስቲ ‘’ ካባኻትኩም ሓጢያት ዘይብሉንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ’’ ዝብል እዩ። ከሰስትና ኩሎም ይሓፍሩ ‘’ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ ዳሕሮትኩሎም በብሓደ ወጹ’’። ናይ የሱስ መልሲ እምበኣር ነቶም ሰለስተ ከሰስትና ዝረትዕን ዘሐፍርን እዩ። ንሕና ባዕልና ንገዛእ ርእስና ብሕልናና ኽንከሳ መሰልና ኣይኮነን። ሰይጣንውን እንተዀነ ንሱእቲ ቀዳማይ ሓጢያተኛ እዩ እሞ ክኸሰና መሰል የብሉን። ንሱ በቲ ዝገበሮ ሓጢያት ተኸሲሱናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ናብ ገጽ 8 ይቕጽል ... ጉዳይ ዮሃ. 83-11 ሓጺር ጸብጻብ ወፍሪ ወንጌል የካቲት 2016 ካርቱም - ሱዳን ብምትሕብባር ወንጌላዊ ሳምሶን ተስፋይ ካብ ቤትኤል ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ንፍታሌም እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሱዳንን ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ካብ ሰሉስ ትሽዓተ የካቲት 2016 ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልታት ኣብ ከተማ ካርቱም ተኻይዱ። ቀዳማይ እብረ ናይዚ ካንፈረንስ እዚ ካብ ትሽዓተ የካቲት ክሳብ ዓሰርተው ክልተ የካቲት ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልታት ክካየድ እንከሎ ካልኣይ እብረ ድማ ካብ ሶሉስ ዓሰርተው ሽዱሽተ የካቲት ክሳብ ዓርቢ ዓሰርተው ትሽዓተ የካቲት ኣብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓልታት ተኻይዱ። ኣብዚ ዝተኻየደ ናይ ወፍሪ ወንጌል መደብ ናብ ጻውዒት ወንጌል ናብ ገጽ 7 ይቕጽል ...
Transcript
Page 1: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ : ንፍታሌም እምነት ዓለም-ለኻዊት ቤተ-ክርስትያን : ቁ.ሳ.ፖ. 11897 ኢ-መይል፦ [email protected] ብሎግ፦ www.gazetaelim.wordpress.com ፈይስቡክ፦ Gazeta Elim

ትሕዝቶ=>

84 02) ጸሎት ሓደ ለምጻም 03) ብርሃን ኣይስዓርን እዩ 05) ኣድላይነት ምስላ

07) ዓምዲ ካብ ኩሉ ሸነኽ

ኣነን ንስኹምን ሓጢያት እንዳ ገበርና ተትሓዝና። ‘’ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ክትዝሙ ከላ

ተታሒዛ’’ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ፡ ‘’ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም ’’፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ‘’ ካብኣ ኣይትብልዑ ’’ ዝተባህልዋ ኦም ምስ በልዑ፡ ሓጢያት ገበሩ። ካብኦም ዝተወለድና ዘበልና ኩልና ድማ ኣብዚ ሓጢኣቶም እዚ ተጸምበርና። ሓደ እኳ ካብ ሓጢያት ሓራ ዝኾነ ሰብ የልቦን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ሰብ ሓጢያተኛ እዩ። እታ ነፍሳ ሸይጣ ኣብ ዝሙት ዝተዋፈረት፡ እቲ ክዳኑ ኣጻዕድዩ ውርዙይ ዝመስል ሃይማኖታዊ ሰብን፡ ኩሎም ምሕረት እግዚኣብሄር ዘድልዮም ሓጢያተኛታት እዮም። መን ኣሎ ኣብ ልቡ ፍትወት ስጋ ዘይሰዓሮ፡ መን ኣሎ ብልቡ ናይ ብጻዩ ነገር ዘይተመነየ፡ መን ኣሎ ዘይሓመየ፡ መን ኣሎ ዘይተቐየመ። ‘’ ኣነስ ሓጢያት ትበሃል እኳ የብለይን ’’ ክብል ዝደፍር ወለሓደ ሰብ የልቦን። ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም! ኣነን ንስኻትኩምን ብሓጢያትና ክንመውት ይግብኣና

‘’ ከምዚኣ ዝበለት ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ክትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ’’።

ዓስቢ ሓጢያት ሞት እዩ። ኣዳምን ሄዋንን በታ ሓጢያት ዝገበሩላ መዓልቲ ሞት ሞቱ፡ እዚ ማለት ካብ እግዚኣብሄርን ካብቲ ዝነብርዎ ዝነበሩ ናይ ኤደን ገነት ናብራን ሞቱ፡ ወይ ተፈለዩ። ናብ ናይ ጻዕርን ፍርሃትን ስግኣትን ጭንቀትን ናብራ ድማ ኣተዉ። ዓስቢ ሓጢያት ብኹሉ ሸነኹ ዕንወት እዩ። ሓጢያት ዝገበረ ሰብ ክመውት ጥራሕ እዩ ዝግብኦ። በቲ

እግዚኣብሄ ር ንሙሴ ዝ ሃ ቦ ሕ ጊ መሰረት’ውን፡ ሓጢያት ዝገበረ ሰብ ሞት እዩ ዝግብኦ። ንሕናውን ብሰሪ ሓጢያትና፡ ዓስቢ ናይቲ ኩሉ ብሓሳብና ብቓላትና ብግብርና ዝገበርናዮ ሓጢያት ክንመውት እዩ ዝግብኣና። ፍርድና ሞት እዩ። ፍርድና ሲኦል እዩ። ፍርድና ብሰይጣንን በቶም ኣጋንንቱን ክንሳቐ እዩ። የሱስ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንታይ ይብል፧

‘ንስኻ’ኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፧’ ካባኻትኩም ሓጢያት ዘይብሉ ንሱ ቕድም

እምኒ የውድቐላ’’ ሓ ጢ ያ ት ብዝገበርናሉ ቁጽሪ ዝኸሱና ሰለ ስተ ኣ ካ ላ ት ኣ ለዉ ፡ መጀመርታ ባዕልና ሕልናና ይኸሰና፡ ሰይጣንውን ይኸሰና፡ ከምኡውን ሰባት ይኸሱና። ኣዞም ሰ ለ ስተ ከ ሰ ስ ቲ እዚኣቶም ሞት ንኽፍረደና እዮም ዝኸሱና። ብፍላይ

እኳ ሰይጣን ናብቲ ንዕኡን ንኣጋንንትን ዝተዳለወ ሲኦል ምእንቲ ኽንወርድ፡ ኣበርቲዑ እዩ ዝኸሰና። ስብሓት ንኣምላኽ ይኹኖ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር ግና ናይዞም ከሰስቲ ክሲ ዘይኮነስ ናይ የሱስ ፍርዲ እዩ። ናይ የሱስ መልሲ ነዞም ሰለስተ ከሰስቲ ‘’ ካባኻትኩም ሓጢያት ዘይብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ’’ ዝብል እዩ። ከሰስትና ኩሎም ይሓፍሩ

‘’ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ ዳሕሮት፡ ኩሎም በብሓደ ወጹ’’።

ናይ የሱስ መልሲ እምበኣር ነቶም ሰለስተ ከሰስትና ዝረትዕን ዘሐፍርን እዩ። ንሕና ባዕልና ንገዛእ ርእስና ብሕልናና ኽንከሳ መሰልና ኣይኮነን። ሰይጣንውን እንተዀነ ንሱ፡ እቲ ቀዳማይ ሓጢያተኛ እዩ እሞ ክኸሰና መሰል የብሉን። ንሱ በቲ ዝገበሮ ሓጢያት ተኸሲሱ፡ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት

ናብ ገጽ 8 ይቕጽል ...

ጉዳይ ዮሃ. 8፡ 3-11 ሓጺር ጸብጻብ ወፍሪ

ወንጌል የካቲት 2016

ካርቱም - ሱዳን

ብምትሕብባር ወንጌላዊ ሳምሶን ተስፋይ ካብ ቤትኤል ቤተክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ንፍታሌም እምነት ቤተክርስትያን ካርቱም ሱዳንን ዝተዳለወ ኮንፈረንስ ካብ ሰሉስ ትሽዓተ የካቲት 2016 ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልታት ኣብ ከተማ ካርቱም ተኻይዱ። ቀዳማይ እብረ ናይዚ ካንፈረንስ እዚ ካብ ትሽዓተ የካቲት ክሳብ ዓሰርተው ክ ል ተ የ ካ ቲ ት ን ኣ ር ባ ዕ ተ ተኸታተልቲ መዓልታት ክካየድ እንከሎ ካልኣይ እብረ ድማ ካብ ሶሉስ ዓሰርተው ሽዱሽተ የካቲት ክሳብ ዓርቢ ዓሰርተው ትሽዓተ የካቲት ኣብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓልታት ተኻይዱ። ኣብዚ ዝተኻየደ ናይ ወፍሪ ወንጌል መደብ ፡ ናብ ጻውዒት ወንጌል

ናብ ገጽ 7 ይቕጽል ...

Page 2: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 02 ታሕሳስ 2012 ኤሊም 7ይ ዓመት ቁ.55 ገጽ 02 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

...

መበገሲ ጽሑፍ፦ ማር. 1፡40-45

40 ሓደ ለምጸም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡

ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። 41 የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። 42

እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሐደጎ፡ ነጽሄ ኸኣ። 43-44 የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ኪዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ

ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። 45 ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ኪሰብኽን ነቲ ነገር ኬውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ

ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ኺኣቱ ኣይኰነሉን። ኣብዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ክፍሊ ቅዱስ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ለምጻም ሰብኣይ ፡ ካብቶም ኣብ ዘመኑ ዝነበሩ ካልኦት ለምጻማት ፍልይ ዘብሎ ረቛሪታት ከም ዝነበሮ ምርዳኡ ከቢድ ኣይመስለንን። ሓደ ካብቲ ዘገርም ረቛሒታት ግን እዚ ብሓንቲ “ምልእቲ ሓሳብ” ዝዓቀና ጸሎት፡ ኣንፈት መጻኢኡ ክቕየር ምኽኣሉ እዩ። ኣድማዕነት ጸሎት፡ ኣብ ብዝሒ ቃላት ዘይኮነስ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ናይ ልቢ እዩ ዝምርኰስ። ብፍላይ እኳ ትሕዝቶ ናይቲ ጸሎት “ልማኖ” ምስ ዝኸውን፡ ብዝሒ ቃላት ኣገዳስነት የብሉን። ከመይሲ እግዚኣብሄር ከይለመንናዮ ዘድልየና ዝፈልጥ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ጸሎትና ከም ጸሎት ናይዚ “ለምጻም ሰብኣይ” ኣተኩሮ ዘለዎ ቃላት ዘይበዝሖ ክኸውን ይግባእ። እምበኣር ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ጽሑፍ ንቃላት ጸሎት ናይዚ ለምጻም ሰብኣይ እናዳህሰስና፡ ዝጠቕሙና ሓሳባት ክንርኢ ኢና። ሓደ ለምጻም (Need - ድልየት) ጸሎት፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ ንዘሎ ዘይተመልአ ድሌታት ንምምላእ፡ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዘዳለወሎም ጥበብ እዩ። ጸሎት እንተ ዘይህሉ፡ ብዘሎ ድሌታት ደቂ ሰብ ድሌት ጥረይ ኰይኑ ምተረፈ። “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን…”። እዚ ለምጻም ሰብኣይ እዚ ሓደ ድሌት ነበሮ። ድሌቱ ድማ ካብ ለምጹ ክነጽህ ነበረ። ለምጺ፡ ንቖርበት ብቑስሊ ዝሽፍን፡ ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ገለ ክፋል ኣካላት

እንዳቐራመመ ዘሰቂ ክፉእ ሕማም እዩ። ለምጺ ዘለዎ ሰብ ንቡር ዕለታዊ ምንቅስቓሳቱ ከካይድ ኣይክእልን፡ ብዓቢኡ ንዕኡ ዝስምዖ ናይ ስጋ ቃንዛ ስለ ዘለዎ፡ ከምኡ’ውን ቆርበቱ ስለ ዝጨኑ ኣብ ማእከል ሰባት ክመላለስ ኣዛዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ሕጊ ኣይሁድ፡ ብለምጺ ዝተወቕዐ ሰብ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዝዓመጾ ነገር ከም ዘሎ ስለ ዝቑጸር፡ ለምጺ ከም ሓሳባት ርኽሰትን ሓጢያትን ስለ ዝርኤ፡ እቲ ለምጻም ሰብ ማሕበራዊ ኮነ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ክረክብ’ውን ኣይክእልን እዩ። ካብ ኩሉ ዝከፍኤ ድማ፡ ለምጺ ዘይከም ካልእ ሕማም፡ ክስተር ዝከኣል ኣይኮነን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣካላትካ ተንጠልጢሉ፡ ንኹሉ ሰብ ውርደትካን ርኽሰትካን ዝእውጅሰሪ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ ጸቕጢ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ርእሰ ምትሓትን መንፈሳዊ ቅልውላው፡ ግሉልነት ዘኣመሰሉ ሽግራት የስዕብ። እምበኣር እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሽግር እዩ ዝነበረ።ሓንቲ ድሌት፡ ንሳ ድማ ካብ ለምጹ ምስ ዝነጽህ፡ ግንእዚ ኹሉ ሽግራቱ ክፍታሕ እዩ። ስለዚ ድማ ነዛ ድሌት እዚኣ ሒዙ ናብ የሱስ ገጹ ገስገሰ። ስለዚ ክርስትያን። ክትጽሊ ምስ ሓለንካ እቲ ዘድልየካ ዘሎ ነገር እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ፡ እዚ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ። ናብኡ መጸ (Decision - ውሳኔ) ኣምላኽ እንታይ ከምዘድልየካ ይፈልጥ እዩ፡ ክሳዕ ናብኡ ዘይመጻእካ ግን ድልየትካ ክምለስ ኣይክእልን እዩ። ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓደ ነገር ምስ ደለዩ፡ ብዘይካ ናብ እግዚኣብሄር፡ ናብ ካልእ ‘ውን ይኸዱ እዮም። ገለን ናብ ጠንቆልቲ፡ ገለን ናብ ፍልጠት ናይ ምድሪ ዘለዎም ሰባት፡ ገለን ናብ ሞያውያን፡ ገለን ና ኣማኽርቲ፡ … ወዘተ። ገሊኣቶም ነቲ ድሌት ባዕላቶም ክመልክዎ ሒዂ ዝብሉ ኣለው። ብዛሓት ድማ በዝን በትን ፈቲኖም ምስ ተሓለሉ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ናብ እግዚኣብሄር ዝመጹ ኣለው። ከም ክርስትያናት ግን ሓደ ድሌት ምስ ዝህልወና፡ ከም ቀዳማይን እንኮን ኣማራጺ ናብ እግዚኣብሄር እዩ ክንመጽእ ዘሎና። እዚ ለምጻም ሰብኣይ እዚ ኣቐዲሙ ናብዝን ናብትን ከይዱዶ ኣይከደን

እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብ የሱስ ከም ዝመጸ ተመዝጊቡልና ኣሎ። ስለዚ እቲ ካልኣይ ስጉምቲ ድሌትካ ሒዝካ ናብ ኣምላኽ ምምጻእ። ተምበርኪኹ (Reverence - ኣኽብሮት) እቲ ክትጽሊ ከሎኻስ፡ ናብ መጺእካ ከምዘሎኻ፡ ወይ ኣብ ቅድሚ መን ቌምካ ከምዘለኻ ትፈልጥዶ፧ ንስለ ጸሎት ዝጽለ ጸሎት፡ ሃይማኖታዊ ምድግጋም ካብ ምዃን ሓሊፉ እዝኒ ኣምላኽ ኣይክሕኩሕን ኢዩ። ካቢድ ኣስራሕትኻ ደሞዝ ክትቅበል ምስ እትቐርብ፡ ወይ’ውን ኣብ ቅድሚ በዓል ስልጣን ጉዳይካ ከተፍልጥ ምስ እትቐርብ ነቶም ሰባት እተርእዮ ኣኽብሮት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድልየትካ ከተቕርብ እንከሎኻ ንኣምላኽ እተርእዮ ኣኽብሮትን እስኪ ኣወዳድሮ። ናብ መን ኢኻ እትጽሊ ዘሎኻ፧ እቲ ናብኡ እትጽልዮ ዘለኻ ኣካል ከመይ ዝበለ እዩ፧ ዕቤቱ፡ ግርማኡ፡ ስልጣኑ፡ ክብሩ፡ ጽድቁ፡ ምሕረቱ፡ ሓይሉ፡ ክእለቱ፡ ይርድኣካዶ ይኸውን፧ እዚ ክሳዕ ዘይተረዳኣና ናይ እምነት ጸሎት ክትጽሊ ዘበት እዩ። እምነት ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ ስለዝኾነት። እምበኣር እዚ ሰብኣይ፡ መንነት የሱስ ክርስቶስ ዝተረድአ ስለ ዝነበረ፡ ናብኡ ምስ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኸ።ከምኡ ድማ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ እቲ ዓብይ ኣምላኽ ክጽሊ ክቐርብ እንከሎ፡ ብኣምልኾን፡ ብፍርሃትን፡ ብትሕትናን ክኸውን ይግባእ፡ እዚ እቲ ሳልሳይ ስጉምቲ እዩ። እንተ ትፈቱስ (God’s Will - ከም ፍቓድ) ንሰብ እቲ ዝበለጸ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ እዋን ጸሎት ክልተ ኣንጻር ዝዀኑ ፍቓዳት ክኽሰቱ ይኽእሉ ዝከኣል እዩ። ብዛዕባ እቲ ጸሎት ኣድሊይዎ ዘሎ ጉዳይ ፍቓድ እቲ ዝጽሊ ዘሎን ፍቓድ እግዚኣብሄርን ነንበይኖም ኰይኖም ይጸንሑ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ክስተት፡ ኣብ ወጥሪ ዝኣቱ እቲ ዝጽሊ ዘሎ ሰብ እዩ፡ እዚ ዝኸውን ድማ እቲ ናቱ ፍቓድ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር

ናብ ገጽ 4 ይቕጽል ...

ጸሎት ሓደ ለምጻም

Page 3: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 03 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ኣብ ዮሃ. 1፡15 “ ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን “ ይብል። ኣብ ብዙሕ ስፍራ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብርሃን ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ርእሱ ደጋጊሙ ይዛረብ። እዚ ኣብዚ ዮሃ. 1፡15 ብርሃን ተባሂሉ ዘሎውን ንሱ ባዕሉ እዩ። የሱስ ናብዛ ምድሪ ብርሃን ኮይኑ ኣብ ዝመጸሉን ኣብ ዝተመልሰሉን እዋን፡ ጸልማት ፈጺሙ ክሕዞ ከም ዘይከኣለ ይነግረና። ‘ኣይሓዞን’ ዝብል ቋንቋ ግሪኽ እቲ ኣውራ ትርጉሙ፡ ንሓደ ነገር ብሓይሊ ጎቢጥካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ከተእትዎን ክትገዝኦን እንከለኻ እዩ። የሱስ ድማ ብርሃን ኰይኑ ናብዛ ዝጸልመተት ዓለም ምስ መጸ፡ ጸልማት ንየሱስ ዕዮኡ ብግቡእ ኣብ ምዕያይን፡ ዕላምኡ ኣብ ምፍጻምን፡ ክዓግቶ ከም ዘይከኣለ፡ ንስልጣን ጸልማት ድማ ከም ዝሰዓሮን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ቃል ኣምላኽ ንብርሃን ምስዞም ዝስዕቡ ነገራት የዛምዶ። ምስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ( 1ይዮሃ.1፡5 ፡ ምድሓን ዮሃ. 12፡46-47)፡ ጽቡቕ ግብሪ እግዚኣብሄር ንሰብ፡ ካብ ስቓይን ጸላእትኻን ምድሓን (መዝ. 18፡28, 27፡1)፡ ጽድቂ (መዝ. 37፡6)፡ ሓይሊ (መዝ. 38፡10)፡ መጎስ፡ ረዲኤት (መዝ. 46፡ 5) ወዘተ። ብዛዕባ ብርሃን ዘጽንዑ ምሁራት፡ ብርሃን ኣብ ካልኢት ንሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ኪሎ ሜተር (300,000 km/s) ከም ዝጓዓዝ ይዛረቡ። ብፍጥነት ድማ ንብርሃን ዝቕድሞ ከም ዘየለ ይሕብሩ። እቲ ዘገርም ድማ ብርሃን ንብዙሕ ነገራት ዝጸሉ ምዃኑ እዩ። ናይ ጸሓይ ብርሃን ንተፈጥሮ ቀሊል ብዘይኰነ መገዲ ኢዩ ዝጸልዎ። እንታይ ዓይነት ጸዓት (Energy) ኰን ሃሊዎ ኮይኑ ኢዩ! እዚ ጥራይ ዘይኰነ ድማ፡ ብርሃን ይዕበ ይንኣስ፡ ኣብ ዝተገልጸሉ ስፍራ ዋላ ድቕድቕ ጸልማት እኳ እንተዀነ ፈጺሙ ንሓይሊ ብርሃን ኽጎብጦ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ። ዘገርም ነገር እዩ! ጐኒ ጐኑ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጸልማት፡ ለይቲ፡ ምሸት ዝብሉ

ቃላት ብብዝሒ ሰፊሮም ኣለዉ። እዚ ጸልማት ዝብል ቃል ድማ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ይውክል። ሰይጣን (ቆሎሴ 1፡12-13)፡ ሞት (ማቴ. 4፡ 16)፡ ስቓይ፡ ምረት፡ ዕንወት፡ እህህታ፡ ሓጢያት፡ ረሲእነት፡ ድኻም፡ ከንቱነት ወዘተ። እቲ ኣብ ዮሃ. 1፡15 “ ጸልማት ኣይሓዞን “ ተባሂሉ ዘሎ ማለት እምበኣር እዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ማለት ኢዩ። ብርግጽ የሱስ ንኽብጀወና ተሰቅዩን ሞይቱን እኳ እንተዀነ ግን ሓይሊ ሞት ስዒሩ ካብ ምውታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ ተጋሂዱ እዩ። ሃሌሉያ!

ንሕና ኣመንቲውን ኣሰር ጐይታና ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብብርሃን ተመሲልና ኣለና። ማቴ. 5፡14, ኤፌ. 5፡ 8-10. ንሕና ከም ብርሃን፡ መንነትና ብክርስቶስ ከመይ ይመስል በዘን ዝስዕባ መረዳእታ ክንገልጾ ክንፍትን ኢና። ኣብ ቆሎሴ 1፡12-13 “ ካብ ስልጣን ጸልማት ወጺእኩም “ ይብለና። ኣብዚ ስፍራ ምሉእ ብምሉእ ደኣ እምበር ብኸፊሉ ከም ዝወጻእና ኣይኰነን ዝሕብር ዘሎ። ኣብ ኤፌ. 2፡1, 2 ንሕና ቀደም ኣብ ትሕቲ ሓለቓ ስልጣን ኣየር (ዲያብሎስ) ከም እተመላለስናን ሕጂ ግን ብኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀናን ይሕብር። ኣብቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ደቂ ዘይምእዛዝ ግና ሰይጣን ከም ድላዩ ይገብርን፡ ይሰልጦን እዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ክሳዕ ሕጂ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም እዮም ዘለው። ንሕና ግና ድሮ ካብ ትሕቲ

ስልጣኑ ስለ ዘምለጥና፡ እከይ ምኽሩ ኣባና ክስልጥን ኣይክእልን እዩ። ንሕና ኣመንቲ ግን መንነትና ብርሃን ምዃናን፡ ኣባና ድማ ጸልማት ኽገዝእ ከም ዘይክእልን መጀመርታ ጥዑይ ምርዳእ ክህልወና ኣለዎ። ጸላኢ ግን ኩሉ ግዜ መንነትና ብቓል ኣምላኽ ተረዲእና ንኸይንስዕሮ ኢሉ ይቃወመና። ኣብ ኤፌ. 4፡17፡18 ከም ናይ ኣህዛብ ኣእምሮና ጸልሚቱ ብናይ ከንቱነት ሓሳብ ንኸይንመላለስ ይምዕደና። ካብ ስልጣን ጸልማት ወጺእካ፡ ዛጊት ግን ዝጸልመተ ኣእምሮ ሒዝካ፡ ንሓቂ መንነትካ ከይፈለጥካ፡ ብድንቁርና ናይ ምምልላስ ተኽእሎ ከም ዘሎ እዩ ዝነግር ዘሎ እዚ ኣብ ኤፌ. 4፡ 17-18 ዘሎ ሓሳብ። ኣብ ዮሃ. 8፡12 “ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ፡ እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይክኸይድን ኢዩ “ ይብል። ኣብ ዮሃ. 1፡4 “ ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት “ ይብል። ናይ ኣምላኽ ህይወት ናባና ምስ መጸት ንህይወትና ብርሃን ሂባቶ ኢያ። እዛ ህይወት ኣብ መንፈስና ምስ መጸት እቲ ብርሃን ናብ ነብስናን ናብ ስጋናን (ሮሜ. 8፡10-11) ሓሊፉን፡ ኣብሪሁን ኢዩ። ስለዚ ኣብ ጸልማት ከነብርህ እምበር፡ ብጸልማት ተጎቢጥና ንኽንመላለስ ኣይተጻሕፈልናን። እዛ ኣብ ቅዱሳን ዘላ ህይወት ዘልኣለም፡ ናይ ባዕሉ ናይ እግዚኣብሄር ህይወት ኢያ። ንህይወት ኣምላኽ ድማ ሓይሊ ሞት፡ ሓጢያት፡ ድኻም፡ መርገም፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ብሓፈሻ ኩሉ ሓይሊ ጸልማት ክስዕራ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ጸልማት ንብርሃን ክሕዞ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ 1ጴጥ. 1፡22,23 ብዘልኣለማዊ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ከም ብሓድሽ ከም ዝወለደና ይሕብረና። እዚ ድማ እታ ህይወት ኣምላኽ ኣባና ስለዘላ ኢና ተኻፈልቲ ዘይጠፍእ ዘርእን ዓሌት ኣምላኽን ተባሂልና። ነዚ ዘርኢ፡ ሕማም፡ ሞት፡ ሓይሊ

ናብ ገጽ 6 ይቕጽል ...

ነቲ ኣብ ህይወትና ዝዓይ ግብሪ ሓይሊ ጸልማት ስቕ ኢልና ኣይክንርእዮን ኢና፡

መንነትና ደኣ ክንገልጸሉ ክንጅምር ኢና።

ብር ሃን ኣ ይስዓር ን እ ዩ

Page 4: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 04 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ናብ ገጽ 8 ይቕጽል ...

ፍቓድ ዝሓሸ ኰይኑ ስለ ዝስምዖ ኢዩ። ግን ብሓቂ ከምኡ ዲዩ፧ ብዙሕ ግዜ ነቲ ከኣልነትን ሓይልን እግዚኣብሄር ደኣ እምበር ነቲ ፍቓዱኣይንደልዮን ኢና። ንእግዚኣብሄር ንፍቓድና መፈጸሚ ጌርና ንወስዶ። ከምዚ ምግባርና ብኽልተ ሸነኻት ኣዝዩ ዘሐዝን ይኸውን። ቀዳማይ፡ እግዚኣብሄር ካባና ንላዕሊ ኣዝዩ ጥበበኛ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ፍቓዱ ካብ ፍቓድና ዝሓሸ እዩ፡ ስለዚ ንፍቓድና ከነተግብር ህርድግ እንተ በልና እኳ መወዳእትኡ ጽቡቕ ኣይከውንን። ካልኣይ፡ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ገዲፍካ ፍቓድካ ምድላይ፡ ንእግዚኣብሄር ዘይምእማን እዩ፡ ውጽኢቱ ድማ ዘይምእዛዝ እዩ። ዘይምእዛዝ ድማ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዝመዓራረ ነገር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ካብ እግዚኣብሄር ገለ ነገር ክንልምን ከሎና፡ እግዚኣብሄር ካልእ ዝሓሸ ነገር ክህልዎ ከምዝኽእል ‘ውን ክንርዳ ኣሎና። እዚ ለምጻም እዚ ድማ፡ “እንተ ትፈቱስ” ብዝብል ቃላት ጸሎቱ ብምጅማሩ ፡ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ከም ዘቐድም ዘርኢ ኢዩ። “እንተ ዘይፈቲኻ ግን፡ ከምቲ ዝፈተኽእዎ ግበር”፡ ካብቲ ናተይ ፈውሲ ናትካ ፈውሲ ይቕድም”፡ “እቲ ንዓኻ ደስ ዘብለካ ግበር”፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ክርስትያን ኣብ እዋን ጸሎት ክህልዎ ዝግባእ ራብዓይ ስጉምቲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ዘይብሉ ግን፡ ካብ ምድላይ ዘይምጽላይ ይምረጽ። . . ትኽእል ኢኻ (God’s power) ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ወይ ከኣልነት፡ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ክንደሊ እዩ እቲ ቅኑዕ ቅደም ተኸተል። እግዚኣብሄር ሓይሊ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ስዒቡ እዩ ዝመጽእ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ዝግለጽ። ንሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ፍቓድና ከነውዕሎወይ ናብ ፍቓድና ክንጥምዝዞ ምስ እንፍትን ግን መወዳእትኡ ዕልወት እዩ ዝኸውን። ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣቐዲምካ ክሳዕ ዘይፈለጥካ፡ ሓይሊ ናይ ሰይጣን ውን ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር መሲሉ ክረኣየካ ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር ካብ ስሕተት ክሕልወና ዝኽእል ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ምልምማድ፡

ፍቓድ እግዚኣብሄር ምፍላጥ እዩ። እዚ ለምጻም ሰብኣይ ውን ነዚ ቀደም ተኸተል ብምኽታል እዩ ናብ የሱስ ዝጽሊ ዘሎ። ኣቐዲሙ “እንተ ትፈቱስ” ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ድማ “ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ’’ ይብል ኣሎ። ብርግጽ ፍቓድ ኣምላኽ ነቲ ፍቓድ ብዘተግብር ሓይሊ ኣምላኽ ይስነ እዩ።ስለዚ እቲ ኣብ መስርሕ ጸሎት ክንወስዶ ዝግብኣና ሓምሻይ ስጉምቲ ከኣልነት እግዚኣብሄር ምእማን እዩ።ኣብ ሓደ ስፍራ ናይ ቅዱስ ጽሑፍ ሓደ ሰብኣይ ንጐይታ፡ “ትኽእል እንተዄንካስ” ብምባል ምስ ሓተቶ፡ “ትኽእል እንተዂንካ ትብል ኣሎኻ፡ ንዝኣምን ኩሉ ይከኣል ኢዩ’’ ክብል መለሰሉ። እምበኣር ብኸኣልነት እግዚኣብሄር ዘይምጥርጣር። ክሳዕ እዚ ስፍራ ናይታ ዛንታ፡ ብወገን እቲ ለምጻም ሰብኣይ ዝተወስዱ ስጉምትታት ኢና ክንርኢ ጸኒሕና። ቀጺልና ድማ ግብረ መልሲ ናይ ጐይታ ንርኤ። ደንገጸሉ (Compassion - ኩነታት ተረድኤ) እግዚኣብሄር ደንጋጺ ኣምላኽ እዩ፡ እግዚኣብሄር ብሓጎስ ናይ ሰባት ይሕጐስ፡ ብሓዘኖምን ምግደራኦምን (Affliction) ድማ ይሓዝን። ገለ ገለ ሰባት፡ እግዚኣብሄር በቲ መከራና ወይ በቲ ዝበጽሓና ክፉእ ነገር “ ኣሰይ እንቋዕ ከምኡ ዀነ” ከም ዝብል ዝመስለና ኣይሰኣንን ይኸውን። ብስቓይና ዝሕጐስ ሰይጣን ጥራይ ኢዩ። እግዚኣብሄር ብናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ሕማቕ፡ ኣይሕጐስን እዩ። እድንግጽ እንተ ዘይኮይኑ። ምድንጋጽ እቲ ልክዕ ኩነታት ማለት ካብቲ ብደገ ጥራይ ዝርኤ ለምጺ ናይ ቆርበት ሓሊፉ፡ ናይ ልቡ፡ ናይ ሓዳሩ፡ ኮታ እቲ ኹሉ ዝወረዶ ኣደራዕ ስለ ዝተረድኤ ደንገጸሉ። እግዚኣብሄር ብዝኾንናዮ ኩሉ ይድንግጸልና እዩ፡ በቲ እንልምኖ ዘለና ድልየት ውን እንተዀነ እግዚኣብሄር ከም ዝድንግጸልና ንርዳእ። የሱስ ግን ደንጊጹ ጥራይ ስቕ ኣይበለን። ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ (A touch - ምትንካፍ) ብልማኖ ወይ ብጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ዘቕረብናዮ ጉዳይ፡ እግዚኣብሄር ክተናኽፎ ከም ዝጅምር ዘጠራጥር ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ኣብ ዙሪያ እቲ ጉዳይ ለውትታት

ክረኣዩ ይጅምሩ። ምናልባት እቶም ክቀላቐሉ ዝጅምሩ ለውጥታት ግን ንኣእምሮና ዘይምችኡ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ለምጻም ሰብኣይ እዚ የሱስ ክትንክዮ ምስ በለ፡ ምትንካይ ምስ ዝኣቢ፡ ምናልባት ድሒሩ ካብ ለምጹ ኣይምሓወየን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነቲ ዝለመንናዮ ድላይ በቲ ንዓና ዝርድኣና ወይ ዝጥዕሙና ኣገባብ፡ ወይ በቲ ልሙድ ዝኾነ ኣገባብ ጌሩ ክምልሰልና ኣይንጸሊ። ብዙሕ ግዜ እቲ ናይ ሰብ ኣገባብን ናይ እግዚኣብሄር ኣገባብን ዝተፈላለየ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ንለምጻም ብኢድካ ምትንካይ፡ ኣብ እምነት ኣይሁድ ነውሪ እዩ፡ ካብ ነውሪ ሓሊፉ ‘ውን ዘርክስ ተግባር እዩ። የሱስ ግና ከምኡ ገበረ። የሱስ ግን ዘይልሙድ ነገር ገበረ። ስለዚ እቲ መልሲ ጸሎትና ብዘይ ተጸበናዮ ኣንፈት ብዘይ ሓሰብናዮ ኣገባብ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ውን ንዓና ብዘይ ምችእ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ንምርዳእ ክጥዕመናነዛ ቀጺላ ዘላ ኣብነት ንርኤ። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ሓደ ከተማ ጽቡቕ ዝኾነ ስራሕ እንዳ ሰርሔት ትቕመጥ ነበረት። ኣብቲ ከተማ ስድርኣን ብዙሓት መሓዙትን ፈተውትን ስለ ዝነበርዋ ድማ፡ ንዓኣ ኣብታ ከተማ ምቅማጥ ኣዝዩ ምቹእ ነበረ። ከምዚ እንዳዀነ ግን፡ ሓዳር ስለ ዘይነበራ ሰብኣይ ክወሃባ ናብ ጐይታ ትጽሊ ነበረት። ሃንደበት እቶም ትሰርሓሎም ዝነበረት ትካል፡ ኣብ ካልእ ከተማ ናብ ዝርከብ ጨንፈሮም ስራሕ ክትቅይር ይግድድዋ። በዚ ድማ ንሳ ነታ ስድርኣን መሓዙታን ፈተውታን ዘለውዋ ከተማ ሓደጋ ናብ ካልእ ከተማ ክትከይድ ቀጨውጨው በላ። እንተዀነ ክትገብሮ ስለ ዘለዋ ናብታ ዝተመደበታ ከተማ ትኸይድ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓደ ሓው ትላለ እሞ፡ ብሓቂ ድማ እዚ እቲ እግዚኣብሄር ንመልሲ ጸሎታ ዘዳለዎ ሰብ ኰይኑ ይጸንሕ። ካብዛ ዛንታ ከም እንርድኦ፡ እታ ስለ ሓዳር ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጸለየት፡ እግዚኣብሄር ንነገራታ ከንቀሳቕስ ጀመረ። እቲ መስርሕ ንዓኣ ደስ ዘየብል እኳ እንተ ነበረ፡ ግናኸ ናብ መልሲ ጸሎታ ኣቢሉ ኣብጽሓ። ንእማን እቲ ሶርያዊውን ናብ ኤልሳእ ክፍወስ ኢሉ ምስ ከደ፡ እቲ ኣገባብ ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይጸንሖን፡ ነቲ ዝተባህሎ ስለ ዝተኣዘዘ ግን ንሱውን ካብ ለምጹ ተፈወሰ። ስለዚ እቲ መልሲ ጸሎትና በቲ ንሕና እንጽበዮ መገዲ ዘይኰነ ብኻልእ

ጸሎት ሓደ ለምጻም ... ካብ ገጽ 2 ዝቐጸለ

Page 5: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 05 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርቱ ብዙሕ ግዜ ምስላታት ተጠቂሙ ከም ዘሎ ንኹሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ድማ ነተን ኣርባዕተ ወንጌላት ኣንቢቡ ዝፈልጥ ሰብ ብሩህ እዩ። ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ድማ ካብ ብዝሒ እቲ ሰፊሩ ዘሎ ምስላታት ክንርድኦ ንኽእል። ምስላታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳንውን ንረኽቦም ኢና ፡ ንኣብነት ፡ ነብዪ ናታን ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ምስ ባትሴባ ዝወዓሎ ሓጥያት ክነግሮ ከሎ ብምስላ ተጠቂሙ እዩ ዝነገሮ። ምስ ላ ግ ን እ ንታይ እ ዩ ፧ ጥቕምታቱኸ ከመይ ይመስሉ፧ ምስላ ምጥቃም ኣገዳሲ ድዩ፧ ብዛዕባ ምስላታት ኣብ እነጽዓሉ ግዜ ፡ ብቐዳማይ ደረጃ ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት እዮም። ምስላ እንታይ እዩ፧ ምስላ ብቋንቋ እንግሊዘኛ “ par-able “ ብዝብል ቃል ክጥቀስ እንከሎ ፡ መሰረት ናይዚ ቃል እዚ ድማ “ parabole “ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ። ነዚ ቃል እዚ ኣብ ክልተ መቓቒልና ምስ እንርእዮ “ Para “ ን “ bole “ ን ናብ ዝብሉ ቃላት ይደቅቕ። እቲ “ Para “ ዝብል ቃል “ ጎኒ ጎ ኒ ሓደ ነ ገር ምቛም ፣ ምውድዳር “ ዝብል ትርጉም ክህልዎ ከሎ ፡ እቲ “ bole “ ዝብል ቃል ድማ “ ምርኣይ ፡ ምግላጽ “ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ ምስላ ፡ ንሓደ ነገር ጎኒ ጎኒ ካልእ ነገር ብምቛም ወይ ምስ ካልእ ነገር ብምውድዳር ዝግለጸሉ ጥበብ ኢልና ክንገልጾ ንኽእል። ንኣብነት ኣብ ምስላ ዘራኢ ፡ ቃል ኣምላኽ ጎኒ ጎኒ ዘርኢ ፡ ሰባት ድማ ምስ እታ ዘርኢ እትቕበል ምድሪ ብምንጽጻር ቀሪቦም ንረኽቦም። ስለዚ ምስላ ንሓደ ሕቡእ ሓቂ ምስ ዕለታዊ ናብራ ( ሰ ባት ብቐሊሉ ክ ርድ እዎ ዝኽእሉ ንጥፈት) ብምውድዳር ክገልጽ ዝኽእል ሜላ ወይ ጥበብ

እዩ። ብዙሕ ግዜ ድማ ብመልክዕ ሓጺር ዛንታ ይቐርብ። ብፍላይ ድማ ምስላታት ሓድሽ ኪዳን ፡ “ ሰማያዊ ሓቅታት ዘብርሁ ምድራዊ ዛንታታት “ ኢልና ክንገልጾም ንኽእል። መብዛሕትኦም ምስላታት ሓድሽ ኪዳን ሓጸርቲ ዛንታታት ክኾኑ እንከለዉ ፡ ሒደት ድማ ካብ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ዘይነውሑ እዮም። ጥቕምታት ምስላ ከመይ ይመስሉ፧ ምስላ ክልተ ኣንጻር ዝኾኑ ጠቕምታት ኣለውዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ምስጢር ይገልጽ ፡ በቲ ሓደ ሸ ነኽ ድማ ምስጢር ይሓብእ። “ . . . ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውስኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ይግድፍዎ እዮም። እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። “ ማቴ. 13፡11-13

እቲ ቀዳማይ ጠቕሚ ናይ ምስላ ፡ ንሓደ ዓሚቕ ሓቂ ምስ ሓደ ሰባት ብቐሊሉ ክርድእዎ ዝኽእሉ ዛንታ ወይ ነገር ብምውድዳር ከም ዝርድእዎ ምግባር እዩ። ንኣብነት ምስላ “ እቲ ጥፋእ ወዲ “ ምስ እንምልከት ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ብዙሕ በዲሎም እኳ ክንሶም ናብኡ ዝምለሱ ሓጥኣን ፡ ብዓብዩ ፍቕርን ዓብዪ ሓጎስን ከም ዝቕበሎም ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ንምግላጽ ፡ ዛንታ ናይ ሓደ ሃብቲ ኣብኡ ንኸንቱ ዝዘረወ እሞ ድሒሩ ስለ ዝተጣዕሰ ድማ ናብ ኣቡኡ ዝተመልሰ ወዲ ፡ ከም ምስላ ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ጠቕሚ ናይ ምስላ ድማ ፡ ንሓደ ዓሚቕ ሓቂ ካብቶም ሰማዕቱ ንምስዋር እዩ። ነቲ ክትብሎ ዝደለኻ ሓቂ ፡ ከምቲ ዘለዎ ኮፍ ካብ

እተብሎ ፡ ብሓደ ዛንታ መሲልካ ትገልጾ እሞ ፡ እቲ ክትብሎ ዝደለኻ ሓቂ ካብቶም ሰማዕቱ ይስወር ፡ ነቲ ዘስተውዕል ሰብ ጥራይ ድማ ይርድኦ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ፡ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሓደ ግዜ ንፈሪሳውያን ከምዚ በሎም ፡ “ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ “ ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስላ እዩ ዝነበረ ፡ ነቶም ፈሪሳውያን ግን ምስላ ምዃኑውን ኣይተረደኦምን። ንሳቶም ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ተተኺላ ዝነበረት ቤተ መቕደስ መሰሎም ፡ ከምዚ ኢሎም ድማ መለሱሉ “ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ “ ፡ ንሱ ግን ዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ማለት ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ። እዘን ክልተ ኣንጻር ዝኾና ጥቕምታት ናይ ምስላ ኣብ ሓደ ግዜ ከመይ ኢለን ኣብ መዓላ ይውዕላ፧ ብዙሕ ግዜ ጎይታና ንእኩባት ህዝቢ እዩ ብምስላ ዝዛረቦም ዝነበረ ( ማቴ. 13፡34-35 ) ፡ ገለ ካብቶም ኣኩባት ህዝቢ ተኣምራት ስለ ዝረኣዩ ፡ ገሊኣቶም እንጌራ ክበልዑ ፡ ገሊኣቶም ክስልዩ ፡ ገሊኣቶምውን ብኻልእ ምኽንያት ፡ ገሊኣቶም ድማ ብሓቂ ህይወት ደልዮም ዝመጹ ነበሩ። የሱስ ብምስላ ምስ መሃሮም ፡ እቶም ብሓቂ ህይወት ዝ ደል ዩ ሰ ባ ት ነ ቲ ነ ገ ር ከስተውዕልዎ እንከለዉ (ወይውን እቲ ምስላ ምእንቲ ክርድኦም ይሓቱ ) ፡ እቶም ካልኦት ግን ኣንዳ ሰምዑስ ኣይርድኡን እንዳ ረኣዩ ድማ ኣይጥምቱን ነበሩ። ነቶም ቀዳሞት ሓደ ሓቂ ክግለጸሎም ኣንከሎ ፡ ነቶም ዳሕሮት ግን እቲ ሓቂ ሽፉን ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ክልተ ጠቕምታት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መዓላ ይውዕል። ጃይራ ካብ ከባቢ ምስላታት ሓድሽ ኪዳን

ኣድላይነት ምስላ

Page 6: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 06 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ሓጢያት፡ መርገም፡ ድኻም ወዘተ ከጥፍኦን፡ ክስዕሮን ኣይክእል እዩ። ነዚ ቃል ምርዳእን ብእምነት ምሕባሩን ናትና ግደ እዩ።

ኣብ ዘፍ. 1፡2-3 “ ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኰነ “ ይብል። እግዚኣብሄር ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብርሃን ፈጢሩ። ቅድሚ ብርሃን ምፍጣሩ ግና መንፈስ ቅዱስ እዩ ከም ፈጻሚ ኣካል (Executor) ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ’ቲ ገዚኡ ዘሎ ጸልማት ዝዝንቢ ዘሎ። ኣስዒቡ ድማ ኣምላኽ ብርሃን ይኹን ኢሉ። ጸልማቱ ድማ ግዝኣቱ እንዳ ሓደገ ይእለ ኣሎ። ኣብዞም ዝስዕቡ ነገራት ድማ ምፍልላይን ለውጥን ኰይኑ። ብርሃን ካብ ጸልማት፡ መዓልቲ ካብ ለይቲ፡ ምሸት ካብ ወጋሕታ። ብርሃን ክሳዕ ክንደይ ንጸልማት ከም ዝቆጻጸሮ ኢና ኣብዚ እንርዳእ። ኣብ 1ዮሃ. 1፡15 “ እግዚኣብሄር ብርሃን ኢዩ “ ኢልዎ ኣሎ። ኣብ ያእ. 1፡ 17 ‘ውን “ ኣቦ ብርሃናት “ ፡ ኣብ 1ጢሞ. 6፡16 ድማ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ከም ዝነብር ይነግረና። ብመሰረት ዘፍ. 1፡14-19 ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ከዋኽብቲ፡ ብራብዓይ መዓልቲ ከም ዝተፈጥሩ ይሕብረና። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ዝተፈጥረ ብርሃን ርኢናዮ ኣለና። መንነቱ ብርሃን ስለ ዝዀነ ኣብ ዝሓለፎን ዝመጾን ቦታ ድማ ብብርሃን እዩ ዝጅምር። ኣብ ዘፍ. 1፡4 “ ነቲ ብርሃን ጽቡቕ ከምዝኾነ ረኣየ “ ይብል። ኣብ እዮብ 38፡4-9 ድማ ንምድሪ ክፈጥራ ከሎን ብጸልማት ከጎልብባ እንከሎን፡ ንጸልማት ጽቡቕ ኣይበሎን። ንብርሃን ግን ጽቡቕ ኢልዎ። እግዚኣብሄር ዋላ’ኳ ደኣ ጸልማት ይግበር፡ ንሱ ንባዕሉ ግን ብርሃን ኢዩ። ኣሜን! ምኽንያቱ ኣብ 1ዮሃ. 1፡5 ኣቦ፡ ኣብ ዮሃ. 8፡ 12 ወዲ፡ ኣብ ራእይ 4፡5 መንፈስ ቅዱስ ፡ ነፍሲ

ወከፍ ኣካል ብርሃን ምዃኖም ነንብብ። ምስዚ ናይ ዘፍጥረት 1፡1-4 ኣተሓሒዝና ድማ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኣብ ዮሃ. 1፡9 “ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ “ ይብል። ከምኡ’ውን ኣብ ዮሃ. 12፡46 “ እቲ ብኣይ ዝኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ከይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ ኣለኹ “ ይብል። የሱስ ብርሃን ኰይኑ ኣብዛ ዓለም ዝተገልጸሉ ምኽንያት ደቂ ሰባት መታን ካብቲ ሒዝና ዘሎ ጸልማት ንኽንፍለ ኢዩ። ንሕና እቶም ብጐይታ ዝኾንና ድማ “ ብኣይ ዝኣመነ ኣብ ጸልማት ኣይኪነብርን ኢዩ “ ኢልና ኣሎ። ናብራና ናይ ብርሃን ናብራ ንክኸውን ደኣ እምበር፡ ካብ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ንኽብጀወና ጥራይ ኣይኮነን። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ንብርሃን ካብ ጸልማት ዝፈለዮ (ዘፍ. 1፡1-4)፡ ንሕና ድማ ኣብ ብርሃን ንኽንመላለስን፡ ካብ ሓይሊ ጸልማት ሓራ ኰይንና ንኽንመላለስን፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ንብርሃን ካብ ጸልማት ዝፈሊ መንፈስ ኣምላኽ ክንውከሎን፡ ብእኡ ክንሕይልን የድልየና። ምኽንያቱ ብሓይልን ብኽእለትን ንስልጣን ጸልማት ኣይሰዓርን ኢዩ። ኣብ ግብ. 1፡8 ንሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኽጽበዩ ጐይታ ነጊርዎም። ንሱ ምስ መጸ ጥራይ እዩ ከምቲ ሓቀኛ መንነትካ (ብርሃን ዓለም) ኴንካ ክትመላለስ እትኽእል። ከምኡ’ውን መንነትና ብክርስቶስ ብርሃን ምዃንና ክንኣምንን፡ ጸኒዕና ንጸላኢ ክንቃወምን ይግብኣና። 2ቆረ. 5፡17 ሓደሽቲ ፍጥረት ምዃንና፡ እቲ ብሉይ ከም ዝሓለፈን፡ “ ኩሉ “ ድማ ሓድሽ ከም ዝዀነን ይነግረና። ኩሉ ዝብሎ ቃል ንመንፈሳውን ማሕበራውን ኣካላውን ሸነኽ ህይወትና ዘጠቓለለ እዩ። ከምቲ (ማቴ. 9፡14-17) ቁራጽ ዓለባ ኣብ ብሉይ ክዳን ከም ዘይነላግቦ፡ ከምኡ’ውን ብሉይን ሓድሽን ክጸናበር ኣይክእልን ኢዩ። ከምቲ ብኣረጊት መንነተይ ከለኹ ኩሉ ግብሪ ጸልማት ኣባይ ዝዓዪ ዝነበረ፡ ሕጂ’ውን ኣብዚ ለቢሰዮ ዘለኹ ሓድሽ መንነት(ፍጥረት) ተራ የብሉን። መንፈስናን ስጋናን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ እዩ።

ኣሕዋተይ ብክርስቶስ ብርሃን ምዃንና እንተድኣ ተረዲእና፡ ነቲ ተጽዕኖ ዝገብረልና ዘሎ ሕማም፡ መርገም፡ ድኽነት፡ ደገ ስራሕ ምዕጻው፡ ዘይኣሳልጦ ወዘተ… ብኻልእ ኣመላኽታ ክንርእዮ ክንጅምር ኢና። ነቲ ኣብ ህይወትና ዝዓዪ ግብሪ ሓይሊ ጸልማት ስቕ ኢልና ኣይክንርእዮን ኢና፡ መንነትና ደኣ ክንገልጸሉ ክንጅምር ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ዮሃ. 8፡32 “ ንሓቂ ክትፈልጥዋ ኢኹም እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ “ ይብል። ብክርስቶስ ዘለና መንነት እንተድኣ ተረዲእና፡ እቲ ዝዓበየ ተኣምራት ንሱ’ዩ (መዝ. 119፡18)። ኣብ ዮሃ. 10፡10 ንድያብሎስ ሰራቕን ንኽሰርቕ ዝዋፈርን ከም ዝዀነ ይነግረና። ሰራቒ ዘይናቱ ዝወስድን ዝበዝሐ እዋን ድማ ኣብ ጸልማትን ኣብ ከውሊ ዝዀነ መሕብእን ኰይኑ እዩ ስርሑ ዘካይድ። ድያብሎስ ድማ ኣእምሮና ኣጸልሚቱ ዝሰረቐና ጥዕና፡ ዘርኢ፡ ስራሕ፡ ኣሳልጦ፡ ምሕዝነት… ወዘተ ኣለሊና፡ ንምቅዋሙ ክንትስእ ይግብኣና። እቲ ካብ ዓሌት፡ ዘርኢ እንዳ መጸ ዘሸግረና ዘሎ ጽላሎት ጸልማት ብብርሃን ቃሉ ከነብርሃሉ ይግብኣና። ከም ናትና ጌርና ዝተቐበልናዮ ሕጂ ግን ንቃወሞን ጸኒዕና ኣንጻሩ ንመክትን። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ክህበና እዩ። ዝተሰርቀና ምርኮ ይምለስ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእትና(ሓይልታት ጸልማት) ብናይ ሕነ ምፍዳይ መንፈስ ኣብዛ ዓመተ 2016 ንተንስእ። ኣምላኽ ሰማይ ድማ ኬቕንዓልና ኢዩ። ሓደ ነገር ንዘክር፡ ሰይጣን ኣብ መንፈሳዊን ኣካላውን ማሕበራውን ህይወትና ንክዓዪ ናይ ስራሕ ፍቓድ የብሉን። ዝጓዝም ኣምበሳ እኳ እንተ መሰለ፡ ኣንቲ ጸላኢተይ ወኻርያ (ሉቃስ 13፡32) ከም ጭቃ መገዲ እትርገጸሉ ዓመት‘ዩ ብእምነት ንተንስእ። ንኹልና ጐይታ እግዚኣብሄር ይባርኸና !! ኣገ. ኣማኑኤል ኣረጋይ

ብርሃን ኣይሰዓርን ... ካብ ገጽ 3 ዝቐጸለ

Page 7: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 07 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ዓ ም ዲ ካ ብ ኩ ሉ ሸ ነ ኽ

ዝሰምዕ ጸማም

ግዲ ከም ዘይብሉ ክጭኩን ከጨንቕ ትንፋሰይ ክምንጥል ፡ ንዓይ

ንኸሰቅቕ ዝግተር ኣብ ቅድመይ ፡ ኽድንከል

እዩ ኹሉ ኣይምሰሎ ጸላኢየይ ፡ የሱሰይ ከምዘይጠፍእ ኢሉኒ እዩ ብቓሉ

ልክዕ ከም ዘይሰምዕ ዓባስ እኳ

እንተ መሰለ ዘይሰምዕ ጸማም የለን ኣብ ቅድሚ

እቲ ውሓለ ከም ዘይነበረ ክኸውን ‘ዩ ብትንፋስ እግዚኣብሄር

ኣድራሽኡ ክሰኣን’ዩ ብፍጹም ክሓፍር

ጎልያድ ይኹን ያሪኮ ሰማይ ጠቀስ

ቁመት ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ የብሎምን

ስድሪ ጽንዓት እዚ እንክድፋእ ተደንኪሉ ብግምባሩ እቲውን ብምስጋና ይፈርስ ይዓኑ

ስለዚ ዝዀንካ እንተ ዀንካ

ጸላእየይ ኣይሰምዕን እየ እኳ እንተ በልካኒ

ንዓይ ኢዱ ኽትከብደካ እያ ኢድ ኣቦይ መግናሕቱ ኽትቅበል ኢኻ ብዘይ

ዕጥይጥይ

ኣቦይ ምስ ኣዘዘ ኣፉ ምስ ተዛረበ እንታዋይ ጸማም’የ ዝብል ንኽእዘዝ

ዘይጽበ ስም ዘለዎ ዘበለ ኹሉ ጸላኢ

የቀባጥር ምእንቲ ስሙ ብዘይ ቀልዓለም ይእዘዝዎ ሳላ ዕቤት

ስልጣኑ

ወዮ ጸማም ኢየ ኢሉ ሓንጊዱ ዝጸንሐ

ኣርዑቱ ኣኽሪሩ ህላውነቱ ዘጠንከረ ብምክሐ

ልክዕ ቃሉ የኽብር ከም ዝሰምዕ ይእመን

ንባባየይ ዘይሰምዕ ጸማም የለን ካብ ጥንቲ ዘመን !!!!

ማር. 7፡32 “ ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም ፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ’’

ኖህ ኣብርሃም

ዘተኮረ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ዝሓዘ ስብከታት ብወንጌላዊ ሳምሶን ተስፋይ ክልቀቕ እንከሎ፡ ነዚ ኣሰንዩ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ብዝመጹ ዘመርቲ ኣብርሃም ሞሳዝግን ሮቤል ክብሮምን መዘምራን ንፍታሌም እምነት ቤተክርስትያንን ነቲ መደብ ዘማዕረገ ምንቕቓሕ ዝመልኦ ናይ መዝሙር ኣገልግሎት በብመዓልቱ ቀሪቡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነቲ ናይ መዝሙርን ስብከትን መደባት ስዒቡ ናይ ትንቢት ፡ ምፍታሕ ካብ ማእሰርቲ ፡ ምንጋፍ ካብ ኣጋንንትን ምልኣት መንፈስ

ቅ ዱ ስ ን ዝ ኣ መ ሰ ለ ኣገልግሎታትውን ብወንጌላዊ ሳምሶን ተስፋይ ተኻይዱ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ወንጌል ጻውዒት ድማ ኣስታት 38 ዝኾና ነፍሳት ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ና ይ ግ ሊ መ ድ ሓ ኒ ኤ ን ገይረን ተቐቢለን ኣለዋ።

ብተወሳኺ ናብ ኣገልገልትን ሰብ ሓዳርን ዘተኮረ ሰሚናራት ብወንጌላዊ ሳምሶን ናብ ደቂ ኣ ንስትዮ ዘተኮረ ድማ ብ ኣ ገ ል ጋ ሊ ት ኣ ድ ያ ም ዓንደማርያም ተኻዪዱ። ወንጌላዊ ሳምሶን ተስፋይ ካብ 2005 ጀሚሩ ጻውዒት ወንጌል ዘማኣከለ ወፍርታት ኣብ ከተማ ካርቱም ሱዳን ንኣስታት ዓሰርተው ዓመታት ከም ዘካየደ ይፍለጥ። ስለቲ ዝነበረ ሰናይ ናይ ወፍሪ ወንጌል ግዜ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን!

ሕጹያት ንናይ መርዕኦም መዓልቲ ዘዳለውዎ ናይ ዕድመ ወረቐት እቲ ዘሕተሙሉ ቤት ማሕተም፡ ዓቢ ጌጋ ከምዝገበረ ዝፈለጡ ኩሉ እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ንዕዱማት ምስ ዘርግሕዎ ነበረ።

እቲ ንቤት ማሕተም ክሓትመሎም ዝሃብዎ ጥቕሲ 1ይ ዮሃንስ 4፡ 18 ክኸውን ከሎ ፡ እቲ ዝተሓትመ ግን ወንጌል ዮሃንስ 4፡ 18 ነበረ። እቲ ክሕተም ተደልዩ ዝነበረ ጥቕሲ 1ይ ዮሃ4፡18 “ እታ ፍጽምቲ ፍቅሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን “ ይብል። እቲ ቤት ማሕተም ዝሓተሞ ግና ዮሃ 4፡18 “ ሓሙሽተ ሰብኡት ኔሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ ” ዝብል ነበረ። ምንጪ፦ ኢንተርነት

ሓጺር ጸብጻብ ወፍሪ ወንጌል . . . ካብ ገጽ 01 ዝቐጸለ

Page 8: e-Elim-84 -   · PDF fileገጽ 01 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84 ኤሊም ኣገልግሎት ስነ-ጥበብ ... ወንጌል የካቲት 2016

ገጽ 08 የካቲት 2016 ኤሊም መበል 11 ዓመት ቁ.84

ፍሩድ ኢዩ። ንኹሉ ፈተና ክሳዕ ዘይተቐበልናዮ ድማ ክሱ ኣባና ዘስልጦ ነገር የብሉን። ንሱ ለኪሙ ክጠፍእ ዝደሊ ፍሩድ ኢዩ። ሰባትውን እንተዀኑ ፡ ካባና ዘይሕሹ ሓጢያተኛታት እዮም እሞ ክኸሱና መሰል የብሎምን። ነዛ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ጻድቃን ዝመስሉ ሃይማኖታውያን መራሕቲ (ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን) እዮም ከሲሶማ። ንዓናውን ምናልባት ካብና ዝሕሹ፡ ኣብ ገለ ሃይማኖታዊ ንጥፈት ዝዋስኡ ሰባት ይኸሱና ይኾኑ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ዝሓይሽ ዝበሃል ሰብ የልቦን ፡ ኩሉ ምሕረት ዘድልዮ ሓጥእ ኢዩ። ስለዚ ካብ ኩሎም እቶም ዝኸሱና ሓደ እኳ ክረትዓና ዝኽእል የልቦን። ጉዳይና ምስ የሱስ እዩ ‘’ የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ

ሰበይቲ በይኑ ተሪፉ።’’ ስለዚ ኣሕዋት ብርግጽ እኳ ሓጢያት ጌርና እንተኾንና፡ ጉዳይና ግን ምስ የሱስ እዩ። ብዛዕባ ሓጢያትና የሱስ ደኣ እምበር ካልእ ማንም ኣካል ኣይምልከቶን ኢዩ። ካልኦት ክምዕዱናን ክግስጹናን ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ሓጢያትና ንዝምልከት ፍርዲ ግን የሱስ ጥራይ ኢዩ ተጸዋዒ። ስለዚ ብዛዕባ ሓጢያትና ምስ የሱስ ጥራይ ኢዩ ክንዛረብ ዝግብኣና። ናብ የሱስ ጥራይ ኢና ክንናዘዝ ዘሎና።

ምኽንያቱ ስለ ሓጢያትና ዋጋ ዝኸፈለ የሱስ ጥራይ ኢዩ። እቲ ዝፈርድን ዘጽድቕንውን ንሱ ጥራይ እዩ። የሱስ ድማ ምሕረት ጌሩልና ኢዩ።

‘’ ኣነ’ውን ኣይፈርደክን ኢየ።’’ ዓስቢ ሓጢያት ሞት እኳ እንተኾነ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ስለዚ ፍርዲ ኣምላኽ ንሓጢያትካ ሞት ዘይኮነስ ምሕረት ኢዩ። ካብቲ ኣብዛ ህይወት ዘሕዝን ነገር ግን፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ምሕረት እዚ ክቕበልዎ ፍቓደኛታት ዘይምዃኖም እዩ። ኣሕዋት ንሕናኸ ነዚ ምሕረት እዚ ክንቅበሎ ፍቓደኛታትዶ ኢና፧ ንየሱስ ምቕባል ማለት ነዚ ምሕረት እዚ ምቕባል ማለት ኢዩ። በቲ ዝገበርካዮ ሓጢያት ካብ ምሟት ምሕረት ናይ የሱስ ምቕባል ማለት እዩ። ስለዚ ምሕረት ናይ ኣምላኽ ንቀበል። ካብ ናይ ካልእ ፍርዲ ምሕረት ናይ የሱስ ምቕባል ይሕሸና። ደጊምና ኣይንበድል

“ ኪዲ እሞ ደጊምኪ ኣይትበድሊ ” እግዚኣብሄር ነቲ ሓጢያተኛ ዝምሕር ኣምላኽ እዩ፡ ግን ከኣ ነቲ ዝተገብረ ሓጢያት ዝጸልእ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ምሕረት ምስ ተቐበልና ደጊምና ክንብድል ኣይግባእን። እዚ ማለት፡ በቲ ንሱ ዝህበና ጸጋ ተደጊፍና፡ ካብቲ ቀደም ዝነበረና ናይ ሓጢያት ህይወት ወጺእና ናይ ጽድቂ ናይ ቅድስና ህይወት ክንነብር ይደልየና ኢዩ። ከምቲ ንሱ ቅዱስ ዝኾነ፡ ንሕና ድማ ንዕኡ ክንመስል ቅዱሳት

ክንከውን ይደልየና። ነዚ ዘኽእለና ድማ ጸጋኡ እዩ። ዕለት ዕለት ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምጽላይን ሕብረት ምስ ኣሕዋትን ምስ እነዘውትር ድማ ናይ ቅድስና ህይወት ኣዝዩ ተኸኣሊ እዩ።

ጻውዒት እምበኣር ኣሕዋት ነዚ ናይ የሱስ ምሕረት ቅድሚ ሕጂ ዘይጠዕምናዮ፡ ኣምላኽ ብወዱ ጌሩ ከምዚ ዝበለ ምሕረት ከም ዘዳለወልና ዘይንፈልጥ፡ እዚ ነገር እዚ ኣብ ህይወትና ዘድልየና ከምዝኾነ እንተደኣ ተረዲእና፡ ብእምነት ነዛ ሓጻር ጸሎት ብሓባር ንጸሊ፡ እዚ ጸሎት እዚኣ ድማ ነታ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ዝኣተናላ መዓልቲ መዘከርታ ክትኮነልና እያ።

ዎ ናይ ምሕረት ኣቦይ! ነቲ ዝገበርካለይ ምሕረት ክሳዕ ሎሚ

ኣይፈለጥክዎን ነይረ። ሎሚ ግን ተረዲኡኒ ኣሎ ኣሞ፡ ሓንጎፋይ ኢለ ነቲ ዘዳለኻለይ ምሕረት እቕበሎ

ኣለኹ። ንዓይ ንሓጥእ ከምዚ ዝበለ ደገ ህይወት

ስለ ዘዳለኻለይ ተመስገን። ንወድኻ የሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ

ህይወተይ የንግሶ ኣለኹ። በዚ ዝሃብካኒ ምሕረት፡ ወትሩ ጸጋኻ ናይ

ቅድስና ህይወት ክመርሕ ድማ ብቕዱስ መንፈስካ ደግፈኒ።

ብስም ኣቦን ውድን መንፈስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን !

ጉዳይ ... ... ካብ ገጽ 1 ዝቐጸለ

. . . ጸሎት ሓደ ለምጻም

. . . ካብ ገጽ 4 ዝቐጸለ

መንገዲ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ወቕቲ እዚ ድማ ትዕግስትን ምእዛዝን የድልየና። ፈትየ ኣለኹ ንጻህ (Proclamation - ኣዋጅ) መልሲ ጸሎትና እንታይ እዩ፧ መልሲ ጸሎትናካብ ኣፍ እግዛኢብሄር ዝወጽእ ቃል እዩ። እዚ ቃል እዚ እዩ ነገራት ዝፈጥር፡ ነገራት ዝልውጥ፡ ነገራት ዘዐሪ። እግዚኣብሄር ከይተዛረበ ድልየትና ክምልስ ኣይክእልን። “ሓንቲ ቃል ተዛረብ፡ ወደይ ድማ ክሓዊ እዩ”። ብዘይ ቃል ዝኸውን ነገር የልቦን። እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት ቃል ይዛረብ፡ ነገራት ድማ ኣብ ምድሪ ይኸውን። እዚ ምዕራፍ እዚ እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ክፋል ናይ ጸሎት እዩ። ለሚንካዮ ንእግዚኣብሄር እንድሕር ደኣ ኣዛሪብካዮ፡ ነገር ሽዑ እዩ ዝውዳእ። ብዙሕ ግዜ ግን፡ ሰባት ነቲ ዝደልይዋ ነገር ኣብ ባይታ ተፈጺሙ ክርእይዋ ደኣሎም ሃረር ዝብሉ እምበር፡ ነቲ

እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ድሌቶም ዝብሎ ቃል ክሰምዑ ሃረርታ ኣየርእዩን እዮም። ካብቲ ኣብ ባይታ ዝኸውን ግኡዝነገር ግን፡ እቲ ነቲ ግኡዝ ነገር ዝፈጥሮ ‘ቃል’ ይዓቢ። የሱስ ‘ፈትየ ኣለኹ ንጻህ’ ዝብላ ቃላት ክሳዕ ዝዛረብ፡ እቲ ለምጻም ሰብኣይ ገና ኣይነጽሄን ነበረ። እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት ኣዋጅ ምስ ኣወጀ፡ ነገራት ኣብ ምድሪ ይሳለጡ። እግዚኣብሄር ግን ነቲ ንሱ ዝፈትዎ (ፍቓዱ ዝዀነ) ቃል ጥራይ እዩ ዝዛረብ፡ ምናልባት እቲ ንሱ ዝዛረቦ ቃል ከምቲ ንሕና ዝተጸበናዮ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይ ዝዀነ ቃል ስቕ ምባልውን ኣሎ። እግዚኣብሄር ብፍቓድ ሰብ ዝ ዝጉዕጸጽ ኣምላኽ ኣይኮነን። ርእስኻ ንካህን ኣርኢ (Testimony - ምስክርነት) ኣብ መወዳእታኡ ነዚ ለምጻም ሰብኣይ ምንጻህ ኰነሉ። መልሲ ጸሎቱድማ ተቐበለ። ብዛዕባ ምንጻሁ ንብዘሎ ህዝቢ ከየውሪ እኳ የሱስ እንተ ኣጠንቀቖ፡ ንምስክር ንኻህናት ርእሱ ከርኢ ግን ኣዘዞ።እቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቀበልናዮ ነገር ከጽንዕ ብዛዕብኡ

ብምምስካር እዩ። ብዛዕባኡ ምስክርና ድማ ንእግዚኣብሄር ኢና ክብሪ እነምጽኣሉ። ንኻልኦት ድማ ንምብርታዕ እምነቶምን ንምህናጽን ንኸውን። ስለዚ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዝገብረልካ ነገር ምምስካርን ንእግዚኣብሄር ውሬታ ምምላስን ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ጸሎት እዩ። ኣብ መወዳእታ ካብ ዛንታ ናይዚ ለምጻም እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኣብ እዋን ጸሎት ዝጠቕሙና መሰረታውያን ስጉምትታትትን ናይ እግዚኣብሄር ግብረ መልስን ርኢና ኣሎና። ብርግጽ ነገረ ጸሎት ኣብዛ ሓዳር ዛንታ ዝዛዝም እኳ እንተዀነ፡ እቶም ቀንዲ መትከላት ምልማንን ምቕባልን ግን ኣብዛ ዛንታ ርኢናዮም ኣለና። እግዛኢብሄር ወትሩ ክንልምኖ እንዳ ተጸበየና እዩ፡ ስለዚ ብእምነት፡ ብኣምልኾ፡ ብትሕትና፡ ብትዕግስቲ ልማኖና ነቕርብ። ብርግጽ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ብዙሕ ሰናይ ክንቅበል ኢና። ንብዙሓት ንምጽንናዕን ንምህናጽን ዝኸውን ምስክርነት ድማ ኣብ ህይወትና ክገሃድ እዩ። ጃይራ ካብ ከባቢ ወንጌል ማርቆስ


Recommended